ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ጽቡቕ ኣርኣያ ዚዀነኒ ሰብ ብኸመይ ክመርጽ እኽእል፧

ጽቡቕ ኣርኣያ ዚዀነኒ ሰብ ብኸመይ ክመርጽ እኽእል፧

 “ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ተመሳሳሊ ዅነታት ብዛዕባ ዘሕለፈ ዘድንቖ ሰብ ምሕሳብ ይሕግዘኒ ነይሩ። ሽዑ፡ ኣብነት እቲ ሰብ እቲ ኽስዕብ እጽዕር ነይረ። ኣርኣያ ዚዀነኒ ሰብ ስለ ዝነበረኒ ንኣጸጋሚ ዅነታት ብቐሊሉ ኽሰግሮ ሓጊዙኒ እዩ።”—ሃለይ።

 ኣርኣያ ዚዀነካ ሰብ ካብ ጸገማት ክትርሕቕን ሸቶኻ ኽትወቅዕን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ጽቡቕ ኣርኣያ ምረጽ።

 ብጥንቃቐ ኽትመርጽ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  •   ኣርኣያኻ ኪዀኑኻ እትመርጾም ሰባት፡ ኣብ ተግባራትካ ጽልዋ የሕድሩ እዮም።

     መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ኣካይዳኦም ዜምጽኦ ውጽኢት እናተቛመትኩም፡ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓቡ” ብምባል ነቶም ኣርኣያ ዚዀኑ ሰባት ኬስተብህሉሎም ይነግሮም እዩ።—እብራውያን 13:7

     ምኽሪ፦ ኣርኣያኻ ኪዀኑ እትመርጾም ሰባት፡ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ይጸልዉኻ ስለ ዝዀኑ፡ ዚንኣድ ባህርያት ዘለዎም ደኣ ምረጽ እምበር፡ ውሩያት ሰባት ወይ መዛኑኻ ጥራይ ኣይትምረጽ።

     “ካብ ኣረኣእያን ጠባይን እቲ ኣዳም ዝስሙ ክርስትያን ብጻየይ ብዙሕ ተማሂረ እየ፣ እቲ ዜገርም፡ ንገለ ኻብቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ብንጹር እዝክሮ እየ። ንሱ ግና ክሳዕ ክንደይ ኣባይ ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ኣይፈልጥን እዩ።”ኮሊን።

  •   ኣርኣያኻ ኪዀኑ እትመርጾም ሰባት፡ ኣብ ኣተሓሳስባኻን ስምዒታትካን ጽልዋ የሕድሩ እዮም።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣይትታለሉ። ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 15:33

     ምኽሪ፦ ጽቡቕ ባህርያት ዘለዎ ሰብ ደኣ እምበር፡ ጽቡቕ ደጋዊ ትርኢት ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኣይትምረጽ። እንተ ዘይኰይኑ፡ ጕሂኻ ጥራይ ክትተርፍ ትኽእል ኢኻ።

     “ንርእስኻ ብቐጻሊ ምስ ኣዝዮም መልክዐኛታት ሰባት ተወዳድራ እንተ ዄንካ፡ ዘይትረብሕን ዘይጽቡቕን ከም ዝዀንካ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ። ብትርኢትካ ኣመና ኸም እትጭነቕ እውን ኪገብረካ ይኽእል እዩ።”ታማራ።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንውሩያት ሰባትን ንስፖርተኛታትን ኣርኣያኻ ኪዀኑ ምምራጾም፡ እንታይ መፈንጠራ ኺህልዎ ይኽእል፧

  •   ኣርኣያኻ ኪዀኑ እትመርጾም ሰባት፡ ሸቶኻ ንኽትወቅዕ ወይ ንኸይትወቅዕ ጽልዋ ይገብሩ እዮም።

     መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን” ይብል።—ምሳሌ 13:20

     ምኽሪ፦ እቲ ንስኻ ኸተማዕብሎ እትደልዮ ጽቡቕ ባህርያት ከም ዘለዎም ብኣካይዳኦም ዜርእዩ ኣርኣያ ኪዀኑኻ ዚኽእሉ ሰባት ምረጽ። ክትዕዘቦም ከለኻ፡ ሸቶኻ ንምውቃዕ ክትወስዶ እትኽእል ንጹር ስጕምትታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

     “‘ዝያዳ ሓላፍነት ዝስምዓኒ ክኸውን እየ ዝደሊ’ ዝኣመሰለ ዘይንጹር ሸቶታት ኣብ ክንዲ እተውጽእ፡ ‘ልክዕ ከም ጄን ዝያዳ ሓላፍነት ዝስምዓኒ ክኸውን እየ ዝደሊ። ኵሉ ግዜ እያ ሰዓታ እተኽብር፣ ንእተዋህባ ዕዮ ኸኣ ኣርዚና እያ እትርእዮ’ ኽትብል ትኽእል ኢኻ።”ሚርያም።

     ቀንዲ ነጥቢ፦ እቲ ኽትኰኖ እትደሊ ዓይነት ሰብ ምእንቲ ኽትከውን፡ ጽቡቕ ኣርኣያ ዝዀነካ ሰብ ክትመርጽ ኣሎካ።

ጽቡቕ ኣርኣያ ንዚዀነካ ሰብ ምስዓብ፡ ሸቶኻ እትወቕዓሉ ኣቋራጭ ኪኸውን ይኽእል እዩ

 ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧

 ብሓደ ኻብዚ ኽልተ መገዲ እዚ ኣርኣያ ዝዀነካ ሰብ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

  1.   ከተማዕብሎ እትደሊ ባህርይ ክትመርጽ፡ ድሕሪኡ ኸኣ እዚ ባህርይ እዚ ዘለዎ እተድንቖ ሰብ ከተናዲ ትኽእል ኢኻ።

  2.   እተድንቖ ሰብ ክትመርጽ፡ ድሕሪኡ ድማ ከተማዕብሎ እትደሊ እቲ ሰብ እቲ ዜንጸባርቖ ባህርይ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ።

 እታ ምስዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተተሓሓዘት ወረቐት ዕዮ ኸምዚ ኽትገብር ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

 ኣርኣያ ዚዀኑኻ ሰባት ነዞም ዚስዕቡ ኼጠቓልሉ ይኽእሉ እዮም፦

  •  መዛኑኻ። “ንቐንዲ መሓዛይ ክመስል እየ ዝደሊ። ንኻልእ ሰብ ሕያውነት ከተርኢ ግዜ ሓጺርዋ ኣይፈልጥን እዩ። ብዕድመ ኻባይ ትንእስ እኳ እንተ ዀነት፡ ንዓይ ዚጐድለኒ ጽቡቕ ባህርያት ግና ኣለዋ፣ እዚ ኸኣ ኣብነታ ኽስዕብ ይድርኸኒ እዩ።”—ሚርያም።

  •  እኹላት ሰባት። እዚኦም፡ ወለድኻ ወይ ኣመንቲ ብጾትካ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። “ክልቲኦም ወለደይ ኣርኣያይ እዮም። ብሉጽ ባህርያት እዩ ዘለዎም። ንጌጋታቶም እርእዮ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ንኣምላኽ እሙናት ከም ዝዀኑ እውን እርኢ እየ። ክንዳኦም ምስ ኰንኩ፡ ንዓይ እውን ከምኡ ኺብሃለለይ እየ ዝምነ።”—ኣነተ።

  •  ገጸ ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ። “ከም እኒ ጢሞቴዎስን ሩትን እዮብን ጴጥሮስን እታ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓልን ዝኣመሰሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ ኣርኣያ ኪዀኑኒ ዚኽእሉ እተፈላለዩ ሰባት መሪጸ እየ፣ ንነፍሲ ወከፎም ድማ ብእተፈላለየ ምኽንያታት እየ መሪጸዮም። ብዛዕባ ገጸ ባህርያት መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ብእተመሃርኩ መጠን፡ ብዝያዳ እዮም ጋህዲ ዚዀኑለይ። ኣብታ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ዘርእስታ መጽሓፍ ንዚርከብ ጸብጻባትን ኣብታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን ዘርእስታ መጽሓፍ ንዚርከብ ‘መሐበሪ ኣርኣያ’ ዚብል ክፋልን ምጽናዕ የሐጕሰኒ እዩ።”—መሊንዳ።

 ምኽሪ፦ ኣርኣያ ኪዀነካ ኣብ ዚኽእል ሓደ ሰብ ጥራይ ኣይትተሓጸር። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ፡ “ናብቶም ንሕና ምስ ዝሓደግናልኩም ኣርኣያ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ጠምቱ” በሎም።—ፊልጲ 3:17

 ትፈልጥዶ፧ ንስኻ እውን ንኻልእ ሰብ ኣርኣያ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቶም እሙናት፡ ብቓል፡ ብኣካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህና ኣርኣያ ኹኖም” ይብል።—1 ጢሞቴዎስ 4:12

 “ንገሊኡ ባህርያትካ ኸተመሓይሾ ዚግብኣካ እኳ እንተ ዀንካ፡ ንኻልኦት ሰባት ዝሓሹ ኪዀኑ ኽትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። መን ይዕዘበካ ኸም ዘሎን እትብሎ ነገራት ንህይወት ሓደ ሰብ ብኸመይ ኪቕይሮ ኸም ዚኽእልን ኣይትፈልጥን ኢኻ።”ኪያና።