ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንስርዓት ወለደይ እንተ ጥሒሰ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ንስርዓት ወለደይ እንተ ጥሒሰ እንታይ ክገብር እኽእል፧

 መብዛሕትአን ስድራ ቤታት ናብ ገዛ እትኣትወሉ ሰዓት፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ እትጥቀመሉን ንኻልኦት እትሕዘሉን ብዚምልከት ስርዓታት ኣለወን።

 ስርዓት እንተ ጢሒስካኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ጌጋ ኽትቅይሮ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ግናኸ ኸይጋደድ ክትጥንቀቕ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ እዛ ዓንቀጽ ክትሕግዘካ እያ።

 ክትገብሮ ዘይግብኣካ ነገር

  •   ወለድኻ ስርዓት ከም ዝጠሓስካ እንተ ዘይፈሊጦም፡ ክትሓብኦ ትፍተን ትኸውን።

  •   ስርዓት ከም ዝጠሓስካ እንተ ፈሊጦም፡ መመኽነይታ ኸተቕርብ ወይ ንኻልኦት ተሓተትቲ ኽትገብር ትፍተን ትኸውን።

 ኵሉ እዚ ኣማራጺታት ቅኑዕ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ዘጋጠመ ምሕባእ ወይ ዘይብቑዕ መመኽነይታ ምቕራብ፡ ከም ዘይበሰልካ እዩ ዜርኢ። እዚ ንወለድኻ ገና ኸም ዘይዓበኻ ገይሮም ኪርእዩኻ ኺገብሮም ይኽእል እዩ።

 “ሓሶት ፈጺሙ ፍታሕ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ ኣቲ ሓቂ ምስ ተፈልጠ፡ ዝገደደ መቕጻዕቲ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ።”ዲያና።

 ዝሓሸ ኣማራጺ

  •   ጌጋኻ ተኣመን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን” ይብል። (ምሳሌ 28:13) ወለድኻ ፍጹም ከም ዘይኰንካ ይፈልጡ እዮም። እቲ ሕቶ ግና፡ ‘ሓቀኛ ኽትከውን ትኽእል ዲኻ፧’ ዚብል እዩ።

     “ሓቂ እንተ ተዛሪብካ፡ ወለድኻ ኼናሕስዩልካ ይኽእሉ እዮም። ንጹህ እንተ ዄንካ፡ ወለድኻ ዝያዳ ኣባኻ እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም።”ኦሊቭያ።

  •   ይቕረታ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትሕትና ተዓጠቑ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 5:5) መመኽነይታ ኸየቕረብካ “ይቕረታ ግበሩለይ” ምባል፡ ትሕትና ይሓትት እዩ።

     “መመኽነይታ ዜቕርቡ ሰባት፡ በብቝሩብ ሕልናኦም ኪደክም ይኽእል እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ኸኣ ምንም ከይመሰሎም ጌጋ ኺፍጽሙ ይኽእሉ እዮም።”—ሄዘር።

  •   ሳዕቤናቱ ተቐበል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ተግሳጽ ስምዕ’ ይብል። (ምሳሌ 8:33) ኣይተንጸርጽር፡ ነቲ ወለድኻ ዝገበሩልካ ቐይዲ ተቐበሎ።

     “በቲ መቕጻዕቲ ብዘጕረምረምካ መጠን፡ እቲ ዅነታት እናገደደ እዩ ዚኸይድ። ነቲ መቕጻዕቲ እትቕበለሉ መገዲ ኣናዲ እምበር፡ ኣብቲ ዝሰኣንካዮ ነገር ኣይተተኵር።”—ጄሰን።

  •   ዳግም ክትእመን ጽዓር። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራ ማለት፡ ‘ኣረጊት ስብእና ቐንጥጡ’ ይብለና እዩ። (ኤፌሶን 4:22) ሓላፍነት ከም ዚስምዓካ ዜርኢ ኣካይዳ ጀምር።

     “ብቐጻሊ ጥበባዊ ውሳነ እንተ ወሲንካን ጌጋታትካ ኸም ዘይትደግም እንተ ኣርኢኻን ወለድኻ ኺኣምኑኻ ኺጅምሩ እዮም።”—ካረን።

 ምኽሪ፦ ምእንቲ ኺኣምኑኻ ኻብቲ ዚጽበዩኻ ንላዕሊ ግበር። ንኣብነት፡ ኣብ ቀጻሊ ኻብ ገዛ ኽትወጽእ ከለኻ፡ ዋላ እውን እንተ ዘይደንጐኻ፡ ኣብ መገዲ ኸም ዘለኻ ንወለድኻ ሓብሮም። እዚ ኸአ ‘ዳግም ክእመን እደሊ እየ’ ዚብል መልእኽቲ ኼመሓላልፍ ይኽእል እዩ።