ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 10

‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ኽትቅንጥጦ’ ትኽእል ኢኻ

‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ኽትቅንጥጦ’ ትኽእል ኢኻ

‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጥጥዎ።’—ቈሎ. 3:9

መዝሙር 29 ከም ስምና ኽንነብር ሓግዘና

መላለዪ *

1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማርና፡ ህይወትና ኸመይ ይመስል ነይሩ፧

 ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማርና፡ ህይወትና ኸመይ ይመስል ነይሩ፧ መብዛሕትና ኽንዝክሮ እኳ ኣይንደልን ኢና። ኣመለኻኽታናን ስብእናናን በቲ እዛ ዓለም እዚኣ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘውጸኣቶ መለክዒታት ተቐሪጹ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ነይሩ፡ ‘ተስፋ ኣይነበረናን፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብዘይ ኣምላኽ ኢና ኔርና’ ማለት እዩ። (ኤፌ. 2:12) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ነዚ ቐይርዎ እዩ።

2. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርካ እንታይ ተማሂርካ፧

2 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ጀመርካ፡ ኣዝዩ ዜፍቅረካ ሰማያዊ ኣቦ ኸም ዘሎካ ፈሊጥካ። ንየሆዋ ምእንቲ ኸተሐጕሶን ኣባል እቶም ዜምልኽዎ ስድራ ቤቱ ምእንቲ ኽትከውንን፡ ኣብ ኣነባብራኻን ኣተሓሳስባኻን ኣድላዪ ለውጥታት ክትገብር ከም ዘሎካ ተረዲኡካ። ብዘይካዚ፡ በቲ ልዑል መለክዒታቱ ኽትነብር ከም ዘሎካ ተማሂርካ ኢኻ።—ኤፌ. 5:3-5

3. ብመሰረት ቈሎሴ 3:9, 10፡ የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 እቲ ፈጣሪናን ሰማያዊ ኣቦናን ዝዀነ የሆዋ፡ ንዓና ንኣባላት ስድራ ቤቱ ብኸመይ ከም እንመላለስ መምርሒ ኼውጽኣልና መሰል ኣለዎ። ቅድሚ ምጥማቕና፡ ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥና’ * ኽንድርብዮ ይደልየና እዩ። (ቈሎሴ 3:9, 10 ኣንብብ።) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ፡ ነዘን ዚስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ክትምልሰሎም እያ፦ (1) “ኣረጊት ስብእና” እንታይ እዩ፧ (2) የሆዋ ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና ኽንድርብዮ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ (3) ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ብዘይካዚ፡ ነቶም እተጠመቕና እውን ባህርያት እቲ ኣረጊት ስብእና ኸይደግሰና ብኸመይ ክንጥንቀቕ ከም እንኽእል ክትገልጸልና እያ።

“ኣረጊት ስብእና” እንታይ እዩ፧

4. “ኣረጊት ስብእና” ዝለበሰ ሰብ፡ እንታይ ዓይነት ተግባራት እዩ ዘለዎ፧

4 “ኣረጊት ስብእና” ዝለበሰ ሰብ፡ ኣተሓሳስባኡን ተግባራቱን ስጋዊ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ፈታዊ ርእሱ፡ ቍጡዕ፡ ዘየመስግን፡ ዕቡይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ስእለ ጽዩፍ ይርኢ፡ ብዕልግናን ዓመጻን ዝመልኦ ፊልምታት ከኣ የዘውትር ይኸውን። እቲ ሰብ እቲ፡ እተወሰነ ጽቡቕ ባህርያት ይህልዎ፡ በቲ ዚብሎ ወይ ዚገብሮ ሕማቕ ነገራት እውን ይጠዓስ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣተሓሳስባኡን ጠባዩን ኪቕይር ኣይድረኽን እዩ።—ገላ. 5:19-21፣ 2 ጢሞ. 3:2-5

“ኣረጊት ስብእና” እንተ ቐንጢጥና፡ ስጋዊ ባህርያትን ተግባራትን ኣይኪቈጻጸረናን እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ) *

5. ኣረጊት ስብእና ብዛዕባ ምቕንጣጥ፡ እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 3:19)

5 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሕማቕ ሓሳባትን ትምኒታትን ካብ ልብናን ኣእምሮናን ሓኺኽና ኸነውጽኦ ኣይንኽእልን ኢና። ሓድሓደ ግዜ፡ ጸኒሑ ዜጣዕሰና ነገራት ምግባርና ወይ ምዝራብና ዘይተርፍ እዩ። (ኤር. 17:9፣ ያእ. 3:2) ኣረጊት ስብእና እንተ ቐንጢጥና ግና፡ ስጋዊ ባህርያትን ተግባራትን ኣይኪቈጻጸረናን እዩ። ድሕሪ ደጊም እውን መለለዪና ኣይኪኸውንን እዩ።—ኢሳ. 55:7፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19 ኣንብብ።

6. የሆዋ ንግጉይ ኣተሓሳስባን ሕማቕ ልማዳትን እቲ ኣረጊት ስብእና ኽንቅንጥጦ ዚምሕጸነና ስለምንታይ እዩ፧

6 የሆዋ ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረናን ሕጉስ ህይወት ኪህልወና ስለ ዚደልየናን፡ ግጉይ ኣተሓሳስባን ሕማቕ ልማዳትን ከነወግድ ይምሕጸነና እዩ። (ኢሳ. 48:17, 18) እቶም ብሕማቕ ትምኒታት ዚስነፉ፡ ንርእሶምን ንኻልኦትን ከም ዚጐድኡ ይፈልጥ እዩ። እወ፡ ንርእስናን ንኻልኦትን ክንጐድእ ኪርእየና ኸሎ ይጕሂ እዩ።

7. ብመሰረት ሮሜ 12:1, 2፡ እንታይ ምርጫ እዩ ቐሪቡልና ዘሎ፧

7 ገለ ኻብ ፈተውትናን ቤተሰብናን፡ ኣብ ባህርያትና ለውጥታት ክንገብር ክንጽዕር ከለና፡ የላግጹልና ይዀኑ። (1 ጴጥ. 4:3, 4) ዝደለናዮ ኽንገብር መሰል ከም ዘሎናን ካልኦት ኪውስኑልና ኽንፈቅድ ከም ዘይብልናን ኬእምኑና እውን ይፍትኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር፡ እቶም መለክዒታት የሆዋ ዚነጽጉ፡ ናይ ሓቂ ናጽነት የብሎምን። እኳ ደኣስ፡ እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ክትቀርጾም እዮም ዚፈቕዱ ዘለዉ። (ሮሜ 12:1, 2 ኣንብብ።) ኵላትና ምርጫ ቐሪቡልና ኣሎ። ነቲ ብሓጢኣትን ብናይ ሰይጣን ዓለምን እተቐርጸ ኣረጊት ስብእና ሒዝና ኽንቅጽል፡ ወይ ከኣ የሆዋ ዝሓሹ ሰባት ክንከውን ኪቐርጸና ኽንፈቅድ ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 64:8

“ነቲ ኣረጊት ስብእና” ብኸመይ ክትቅንጥጦ ትኽእል፧

8. ግጉይ ኣተሓሳስባን ሕማቕ ልማዳትን ከነወግድ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

8 የሆዋ፡ ግጉይ ኣተሓሳስባን ሕማቕ ልማዳትን ምእንቲ ኸነወግድ፡ ግዜን ጻዕርን ከም ዜድሊ ይፈልጥ እዩ። (መዝ. 103:13, 14) እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ብቓሉን ብመንፈሱን ብውድቡን ኣቢሉ፡ ነቲ ዜድሊ ለውጢ ኽንገብር ዜኽእለና ጥበብን ብርታዐን ደገፍን ይህበና እዩ። ንዓኻ እውን በዚ መዳይ እዚ፡ ዛጊት ከም ዝሓገዘካ ፍሉጥ እዩ። ሕጂ፡ ነቲ ኣረጊት ስብእና ኽትቅንጥጥን ናብ ጥምቀት ክትበቅዕን ኪሕግዘካ ዚኽእል ግብራዊ ስጕምትታት ንርአ።

9. ቃል ኣምላኽ፡ እንታይ ክትገብር ኪሕግዘካ ይኽእል፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምካ ንርእስኻ ተጠንቂቕካ መርምር። ቃል ኣምላኽ ከም መስትያት እዩ። ንኣተሓሳስባኻን ንኣዘራርባኻን ንተግባራትካን ክትምርምር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:22-25) እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሓልካን ካልኦት ብሱላት ክርስትያናትን ምኽሪ ኺህቡኻ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሞም፡ ብርታዐኻን ድኽመትካን ከተለሊ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ሕማቕ ልማዳትካ ኸተሰንፍ ዚሕግዘካ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ግብራዊ ምኽሪ ብኸመይ ክትረክብ ከም እትኽእል፡ ኪምህሩኻ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ እውን ኪሕግዘካ ወትሩ ድልው እዩ። ንሱ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ስለ ዚፈልጥ፡ ብዝሓሸ መገዲ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 14:10፣ 15:11) ስለዚ፡ ኣዘውቲርካ ናብኡ ጸሊ፡ ቃሉ ድማ መዓልቲ መዓልቲ ኣጽንዕ።

10. ካብ ተመክሮ ኢሊ እንታይ ተማሂርካ፧

10 ስርዓታት የሆዋ፡ ብሉጽ ምዃኑ እመነሉ። እቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዚእዝዘና ነገራት ኵሉ ንጥቕምና እዩ። እቶም ብስርዓታቱ ዚመላለሱ ሰባት፡ ርእሰ ኣኽብሮትን ዕላማ ዘለዎ ህይወትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ይረኽቡ እዮም። (መዝ. 19:7-11) ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ንስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ኢሎም ግብሪ ስጋ ዚገብሩ ሰባት፡ ሳዕቤናቱ ይዓጽዱ እዮም። ስርዓታት ኣምላኽ ብዛዕባ ምንጻግ፡ ሓደ ኢሊ ዝስሙ ሰብኣይ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። ኢሊ ንየሆዋ ዜፍቅሩ ወለዲ እዮም ኣዕብዮምዎ። ምስ ኰተተ ግና፡ ምስ ሕማቓት ኣዕሩኽ ተዓራረኸ። በዚ ኸምዚ፡ ሓሽሽ ኪወስድን ብዕሉግ ናብራ ኺነብርን ኪሰርቕን ጀመረ። ቍጡዕን ዓመጸኛን ኰይኑ ኸም ዝነበረ ድማ ይገልጽ። “ብሓጺሩ፡ ነቲ ኸም ክርስትያን መጠን ንኸይገብሮ እተመሃርክዎ ነገራት እየ ዝገብር ነይረ” ኢሉ ኸኣ ይእመን። እንተዀነ ግና፡ ኢሊ ነቲ ብንእስነቱ እተማህሮ ነገራት ኣይረስዖን። ድሕሪ ግዜ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ብሓድሽ ኬጽንዕ ጀመረ። ነቲ ሕማቕ ልማዳቱ ኼወግድ ኣበርቲዑ ጸዓረ፡ ኣብ ዓመተ 2000 ከኣ ተጠምቀ። እሞ ደኣ ኢሊ፡ ብስርዓታት የሆዋ ብምምልላሱ ብኸመይ ተጠቒሙ፧ “ሕጂ . . . ናይ ኣእምሮ ሰላምን ጽሩይ ሕልናን ኣለኒ” ብምባል ይገልጽ። * ካብዚ ተመክሮ ኸም ዝረኣናዮ፡ እቶም ንስርዓታት የሆዋ ዕሽሽ ዚብሉ ንገዛእ ርእሶም እዮም ዚጐድኡ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንዓታቶም እውን ምእንቲ ኺልወጡ ኺሕግዞም ይደሊ እዩ።

11. የሆዋ እንታይ እዩ ዚጸልእ፧

11 ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ጽላእ። (መዝ. 97:10) መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ፡ “ዕብይቲ ዓይኒ፡ ሓሳዊት ልሳን፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው” ከም ዚጸልእ ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 6:16, 17) ብተወሳኺ፡ “የሆዋ ንዓመጽትን ንመታለልትን ይፍንፍኖም እዩ።” (መዝ. 5:6) የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ባህርያትን ተግባራትን ኣመና ስለ ዚጸልእ፡ ነቶም ብግዜ ኖህ ንምድሪ ብዓመጻ መሊኦምዋ ዝነብሩ እኩያት ሰባት ኣጥፊእዎም እዩ። (ዘፍ. 6:13) ካልእ ኣብነት ከኣ ንርአ። የሆዋ ብነብዪ ሚልክያስ ኣቢሉ፡ ነቶም ንንጹሃት ኣንስቶም ብጥልመት ዚፈትሑ ዘበሉ ኸም ዚጸልእ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ንኣምልኾ ኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ይነጽጎ እዩ። ስለቲ ተግባራቶም ከኣ ኪፈርዶም እዩ።—ሚል. 2:13-16፣ እብ. 13:4

የሆዋ ንዚጸልኦ ተግባራት ከም ዝመሽመሸ ፍረታት ክንፍንፍኖ ይግባእ (ሕጡብ ጽሑፍ 11-12 ርአ)

12. ‘ንእከይ ምፍንፋን’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

12 የሆዋ ‘ንእከይ ክንፍንፍኖ’ ይደልየና እዩ። (ሮሜ 12:9) እታ ‘ምፍንፋን’ እትብል ቃል፡ ብርቱዕ ስምዒት ንምግላጽ ትውዕል እያ፣ ትርጉማ ኸኣ ንሓደ ነገር፡ ኣመና ምጽላእ ወይ ምጽያን የመልክት። ዝመሽመሸ ፍረታት ክንበልዕ እንተ ዚቐርበልና፡ እንታይ ከም ዚስምዓና እሞ ንሕሰቦ። ምሕሳቡ ጥራይ እኳ ዕግርግር የብለና ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ተግባራት፡ ይትረፍዶ ምግባሩስ፡ ምሕሳቡ ጥራይ እውን እንተ ዀነ ኼፈንፍነና ኣለዎ።

13. ኣተሓሳስባና ኽንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣተሓሳስባኻ ሓሉ። ኣተሓሳስባና ንተግባራትና ይጸልዎ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ፡ ናብ ከቢድ ሓጢኣት ኪመርሓና ዚኽእል ሓሳባት ከነውግድ ዝመሃረና። (ማቴ. 5:21, 22, 28, 29) ኵላትና፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸነሐጕሶ ኢና እንደሊ። ስለዚ እምበኣር፡ ሕማቕ ሓሳባት ኪመጸና ኸሎ፡ ቀልጢፍና ኽንነጽጎ ይግባእ።

14. ዘረባና ብዛዕባና እንታይ ይገልጽ፧ ነየናይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምልስ ዘሎና፧

14 ዘረባኻ ተቘጻጸር። የሱስ፡ “እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ ግና፡ ካብ ልቢ እዩ ዚመጽእ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 15:18) እወ፡ ዘረባና ውሽጣዊ መንነትና ይገልጽ እዩ። ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተት፦ ‘ሓቂ ምዝራብ ኣብ ሽግር ዜእትወኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ከይሕሱ ቘሪጸ ድየ፧ ከም ብዓል ሓዳር መጠን ምስ ኣንጻር ጾታ ኸይኳሸም እጥንቀቕ ድየ፧ ንብዕሉግ ዘረባ ምሉእ ብምሉእ አወግዶ ድየ፧ ሓደ ሰብ ኬሕርቐኒ ኸሎ ብህድኣት እምልስ ድየ፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ፡ ብግቡእ እንተ ሓሲብካሉ ኺጠቕመካ እዩ። ዘረባና ንሓደ ኽዳን ምስ ዜላግብ ፈትሊ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ከምቲ እቲ ፈትሊ እንተ ተመዚዙ እቲ ኽዳን ዚብተን፡ ካብ ዘረባና ጸርፊ፡ ሓሶት፡ ብዕሉግ ዘረባ እንተ ኣወጊድና ድማ፡ ኣረጊት ስብእና ኽንቅንጥጥ ኪቐልለና እዩ።

15. ኣረጊት ስብእና ‘ምስቃል’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

15 ኣድላዪ ለውጢ ኽትገብር ፍቓደኛ ኹን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣነባብራና ምልዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግላጽ፡ ኣረጊት ስብእና ‘ኽንሰቅል’ ብምምዓድ ሓያል ስእላዊ ዘረባ ተጠቒሙ ኣሎ። (ሮሜ 6:6) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብነት ክርስቶስ ክንስዕብ እዩ ዘሎና። የሆዋ ዚጸልኦ ባህርያትን ተግባራትን ክንቀትል ኣሎና። እዚ ስጕምትታት እዚ እንተ ወሲድና ጥራይ ኢና፡ ንጹህ ሕልናን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኪህልወና ዚኽእል። (ዮሃ. 17:3፣ 1 ጴጥ. 3:21) የሆዋ ንዓና ኺጥዕመና ኢሉ መለክዒታቱ ኣይቅይርን እዩ። ስለዚ፡ ምስ መለክዒታቱ ብምስምማዕ፡ ንሕና ኢና ኽንልወጥ ዘሎና።—ኢሳ. 1:16-18፣ 55:9

16. ንስጋዊ ትምኒት ብቐጻሊ ኽትቃለሶ ቘራጽነት ክትገብር ዘሎካ ስለምታይ እዩ፧

16 ንስጋዊ ትምኒት ወትሩ ተቓለሶ። ድሕሪ ምጥማቕካ እውን ከይተረፈ፡ ንስጋዊ ትምኒት ብቐጻሊ ኽትቃለሶ ኼድልየካ እዩ። ተመክሮ ናይ ሓደ ማሪስዮ ዚብሃል ሰብኣይ እስከ ንርአ። ንሱ፡ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ግብረ ሰዶም ኪፍጽም ጀመረ። ጸኒሑ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ኣብ ህይወቱ ለውጥታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ብ2002 ተጠምቀ። ማሪስዮ ንየሆዋ ንነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ኣገልገሎ፡ “ሓድሓደ ግዜ ምስ ዘይግቡእ ባህግታት ክቃለስ ነይሩኒ እዩ” ብምባል ይእመን። ይኹን እምበር፡ ተስፋ ኣይቈረጸን። የግዳስ፡ “በቲ ባህግታት እንተ ዘይተሰኒፈ፡ ንየሆዋ ኸሐጕሶ ኸም ዚኽእል እፈልጥ እየ” ኢሉ ኣሎ። *

17. ካብ ተመክሮ ናቢሃ እንታይ መተባብዒ ረኺብካ፧

17 ሓገዝ የሆዋ ንምርካብ ጸሊ፣ ኣብ ብርታዐኻ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንፈስ ቅዱሱ ተወከል። (ገላ. 5:22፣ ፊል. 4:6) ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥና ኽንድርብዮ ኽንጽዕር ኣሎና። ተመክሮ ሓንቲ ናቢሃ እትብሃል ሰበይቲ ንርአ። ኣቦኣ ገና ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከላ ገዲፍዋ ኸደ። ብዛዕባኡ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ሓያል ስምዒታዊ ስቓይ ኣጋጠመኒ” በለት። ምስ ዓበየት ከኣ፡ ሓራቕን ቍጥዕትን ኰነት። ሓደ እዋን ሓሽሽ ክትሸይጥ ተታሒዛ ንገለ ዓመታት ተኣስረት። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኸላ ድማ፡ ኪበጽሑ ይመጹ ምስ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ድሕሪኡ ድማ፡ እተወሰነ ዓበይቲ ለውጥታት ገበረት። ብዛዕባኡ ኸኣ፡ “ንገሊኡ ሕማቕ ኣመላተይ ብቐሊሉ ኣቋረጽክዎ . . . ሽጋራ ምሕዳግ ግና ኸበደኒ” ትብል። ንልዕሊ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምቅላስ፡ ኣብ መወዳእታ ሽጋራ ምትካኽ ሓደገቶ። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበረቶ ኽትገልጽ ከላ፡ “ልዕሊ ዅሉ . . . ከየባተኽኩ ናብ የሆዋ ምጽላየይ እዩ ሓጊዙኒ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣነ ንየሆዋ ንምሕጓስ ለውጢ ኽገብር ካብ ከኣልኩ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ እውን ኪልወጥ ከም ዚኽእል ርግጸኛ እየ” ብምባል ንኻልኦት ምኽሪ ትህብ። *

ንጥምቀት ክትበቅዕ ትኽእል ኢኻ!

18. ብመሰረት 1 ቈረንቶስ 6:9-11፡ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ እዮም ኪገብሩ ኽኢሎም፧

18 ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን፡ ገለ ኻብቶም መጋዝእቲ ክርስቶስ ኪዀኑ የሆዋ ዝመረጾም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣቐዲሞም ሕማቕ ተግባራት ይገብሩ ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣመንዝራታት፡ ግበረ ሰዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ነይሮም እዮም። ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ኣብ ስብእናኦም ለውጢ ገይሮም እዮም። (1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ።) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሚልዮናት ሰባት ህይወቶም ኪቕይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጊዝዎም እዩ። * ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ልማዳት ኣሰኒፎም እዮም። እቲ ዝገደፍዎ ኣብነት፡ ንስኻ እውን ንጥምቀት ምእንቲ ኽትበቅዕ፡ ኣብ ስብእናኻ ለውጥታት ክትገብርን ሕማቕ ልማዳት ከተወግድን ከም እትኽእል ዜረጋግጽ እዩ።

19. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

19 እቶም ኪጥመቑ ዚደልዩ ነቲ ኣረጊት ስብእና ኪቕንጥጡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓድሽ ስብእና ኺለብሱ እውን ኪጽዕሩ ኣለዎም። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ነዚ ብኸመይ ከም እንገብሮን ካልኦት ብኸመይ ከም ዚሕግዙናን ክንርኢ ኢና።

መዝሙር 41 ጸሎተይ ስማዕ

^ ሕ.ጽ. 5 ንጥምቀት ብቑዓት ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣብ ስብእናና ለውጢ ኽንገብር ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ እቲ ኣረጊት ስብእና እንታይ ምዃኑን ስለምንታይ ክንቅንጥጦ ኸም ዘሎናን ብኸመይ ከም እንቕንጥጦን ክንርኢ ኢና። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ከኣ፡ ድሕሪ ጥምቀት እውን እንተ ዀነ፡ ብኸመይ ሓድሽ ስብእና ለቢስና ኽንቅጽል ከም እንኽእል ክንምርምር ኢና።

^ ሕ.ጽ. 3 መግለጺ ቓላት፦ ‘ኣረጊት ስብእና ምቕንጣጥ’ ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ንየሆዋ ባህ ዘየብሎ ባህርያትን ዝንባለታትን ምውጋድ ማለት እዩ። እዚ ድማ ቅድሚ ጥምቀት ኪጅምር ኣለዎ።—ኤፌ. 4:22

^ ሕ.ጽ. 10 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ሚያዝያ 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር—‘ናብ የሆዋ ኽምለስ ነበረኒ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2012 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር—‘ብሕያውነት ሓዙኒ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 17 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2012፡ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር—‘ሓራቕን ቍጥዕትን መንእሰይ ኰንኩ’” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 64 መግለጺ ስእሊ፦ ሕማቕ ባህርያትን ተግባራትን ምውጋድ፡ ኣረጊት ክዳን ቀንጢጥካ ኸም ምድርባይ እዩ።