ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ ዓሰርተው ክልተ

ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር

ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ምንባር
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ፈታው ኣምላኽ ክትከውን እትኽእል፧

  • ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ብኸመይ እዩ ዚትንክፈካ፧

  • ንየሆዋ ዜጕህዮ ተግባራት እንታይ እዩ፧

  • ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ መገዲ ብኸመይ ክትነብር ትኽእል፧

1, 2. ገለ ኻብቶም የሆዋ ኸም ፈተውቱ ገይሩ ዝረኣዮም ሰባት ጥቐስ።

እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኻ ፈታዊኻ ኪኸውን እትደሊ፧ ከም ናትካ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎ፡ በቲ ዜገድሰካ ነገራት ዚግደስ፡ ከምኡ እውን ንእትኣምነሉ ስርዓታት ዚስዕብ ሰብ ትደሊ ኽትከውን ኣሎካ። ከም ሓቀኛነትን ሕያውነትን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ናብ ዘለዎ ሰብ እውን ትስሓብ ኢኻ።

2 ኣብ መላእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ኣምላኽ ንእተወሰኑ ሰባት ፈተውቱ ኪዀኑ መሪጽዎም እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንኣብርሃም ፈታውየይ ኢልዎ እዩ። (ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:23 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንዳዊት የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ “ከም ልበይ ዝዀነ ሰብኣይ” ኢልዎ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22) ንነብዪ ዳንኤል እውን፡ “ኣዚኻ እተፈቶኻ ኢኻ” በሎ።—ዳንኤል 9:23

3. የሆዋ ንገሊኦም ሰባት ፈተውቱ ኪዀኑ ዝመረጾም ስለምንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ንኣብርሃምን ንዳዊትን ንዳንኤልን ከም ፈተውቱ ገይሩ ዝረኣዮም ስለምንታይ እዩ፧ ንኣብርሃም፡ “ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ” ብምባል እቲ ምኽንያት ነጊርዎ እዩ። (ዘፍጥረት 22:18) ስለዚ፡ የሆዋ ነቶም ዝኣዘዞም ዘበለ ብትሕትና ዚፍጽሙ ሰባት እዩ ዚቐርቦም። ንእስራኤላውያን ከኣ፡ “ድምጸይ ተኣዘዙ እሞ፡ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ህዝበይ ክትኰኑ ኢኹም” በሎም። (ኤርምያስ 7:23) ንስኻ እውን ንየሆዋ እንተ ተኣዚዝካዮ፡ ፈታዊኡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ!

የሆዋ ንፈተውቱ የበራትዖም

4, 5. የሆዋ ንህዝቡ ዜጽንዖም ብኸመይ እዩ፧

4 ፈታው ኣምላኽ ምዃን እንታይ ረብሓታት ከም ዘለዎ እሞ ሕስብ ኣብሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ “ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ” ኣጋጣሚታት ከም ዜናዲ ይነግረና። (2 ዜና መዋእል 16:9) የሆዋ ብኸመይ እዩ ኼጽንዓካ ዚኽእል፧ ሓደ መገዲ ኣብ መዝሙር 32:8 ተጠቒሱ ኣሎ። እታ ጥቕሲ ድማ ከምዚ ትንበብ፦ “[ኣነ የሆዋ] ልቦና ኽህበካ፡ እታ ኽትከደላ ዚግብኣካ መገዲ ኽምህረካ እየ። ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ገይረ ኽመኽረካ እየ።”

5 ከመይ ዝበለ ንሓልዮት የሆዋ ዜርኢ ልቢ ዚትንክፍ መግለጺ ዀን እዩ! ነቲ ዚምህረካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸለኻ፡ ዜድሊ መምርሒ ኺህበካን ኪሕልወካን እዩ። ኣምላኽ ንዜጋጥመካ ፈተናታት ክትሰግሮ እዩ ዚደልየካ። (መዝሙር 55:22 ኣንብብ።) ስለዚ፡ ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ እንተ ደኣ ኣገልጊልካዮ፡ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ንየሆዋ ወትሩ ኣብ ቅድመይ እገብሮ እየ። ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ከቶ ኣይናወጽን” ብምባል ዝገለጾ፡ ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 16:8፣ 63:8) እወ፡ የሆዋ ንዕኡ ብዜሐጕሶ መገዲ ኽትነብር ኪሕግዘካ እዩ። ከም እትፈልጦ ግና ነዚ ኻብ ምግባር ኪሓናዅለካ ዚደሊ ጸላኢ ኣምላኽ ኣሎ።

ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ

6. ሰይጣን ንደቂ ሰብ ብዚምልከት እንታይ ኢሉ እዩ ዝበድሀ፧

6 ኣብ ምዕራፍ 11 እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ንልዑላውነት የሆዋ ብኸመይ ከም ዝበድሆ ርኢና ኔርና። ንኣምላኽ ከም ዝሓሰወ ገይሩ ኸሰሶ፡ ከምኡ እውን ንኣዳምን ሄዋንን ቅኑዕን ጌጋን ብርእሶም ኪውስኑ ብዘይምሕዳጉ ዘይፍትሓዊ ኸም ዝዀነ ገይሩ ጠቀኖ። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡን ምድሪ ብዘርኦም ክትመልእ ምስ ጀመረትን፡ ሰይጣን ንውሽጣዊ ድራኸ ዅሎም ሰባት ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ‘ሰባት ንኣምላኽ ስለ ዜፍቅርዎ ኣይኰኑን ዜገልግልዎ’ ኢሉ ኸሰሰ። ‘ዕድል እንተ ተዋሂቡኒ፡ ንዅሎም ካብ ኣምላኽ ከርሕቖም እኽእል እየ’ በለ። ሰይጣን ከምዚ ዓይነት እምነት ከም ዝነበሮ፡ እቲ ብዛዕባ እዮብ ዚብሃል ሰብኣይ ዚገልጽ ጸብጻብ ይሕብር እዩ። እዮብ እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ኣብቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆኸ ብኸመይ እዩ ኣትዩ፧

7, 8. (ሀ) እዮብ ካብቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ብሉጽ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ንውሽጣዊ ድራኸ እዮብ ኣብ ሕቶ ዘእተዎ ብኸመይ እዩ፧

7 እዮብ ኣስታት 3,600 ዓመት ይገብር ዚነብር ዝነበረ ዀይኑ፡ የሆዋ “ኣብ ምድሪ ኸምኡ ዝበለ የልቦን። ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን ቅኑዕን ሰብ እዩ” ስለ ዝበለ፡ ብሓቂ ቕኑዕ ሰብ እዩ ነይሩ። (እዮብ 1:8) ንኣምላኽ ድማ የሐጕሶ ነበረ።

8 ሰይጣን ነቲ እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግለሉ ውሽጣዊ ድራኸኡ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ድያብሎስ ንየሆዋ፡ “ንስኻ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ቤቱን ኣብ ዙርያ ዘለዎ ዅሉንዶ ዜዕቍቦ ሓጹር ጌርካሉ የለኻን፧ ንተግባር ኣእዳዉ ባሪኽካዮ፡ ማሉ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ኣስፋሕፊሐን ኣለዋ። ግናኸ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ እንዶ ንዘለዎ ዅሉ ውቕዓዮ፡ ብርግጽ ከኣ ኣብ ገጽካ ኺረግመካ እዩ” በሎ።—እዮብ 1:10, 11

9. የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ብኸመይ መለሰሉ፧ ስለምንታይከ፧

9 ሰይጣን በዚ ኸምዚ ኣቢሉ፡ እዮብ ንኣምላኽ ዜገልግሎ ምእንቲ ረብሓኡ እዩ ኢሉ ተማጐተ። እዮብ እንተ ተፈቲኑ፡ ንኣምላኽ ከም ዚጻረሮ እውን ተዛረበ። የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ ብኸመይ መለሰሉ፧ እቲ ጕዳይ ንውሽጣዊ ድራኸ እዮብ ዜጠቓልል ስለ ዝነበረ፡ ሰይጣን ንእዮብ ኪፍትኖ ፈቐደሉ። በዚ ኸምዚ፡ እዮብ ንኣምላኽ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ብንጹር ይርአ።

እዮብ ተፈተነ

10. ንእዮብ እንታይ ፈተናታት ኣጋጠሞ፧ ንሱኸ እንታይ ገበረ፧

10 ነዊሕ ከይጸንሐ ሰይጣን ንእዮብ ብእተፈላለየ መገድታት ፈተኖ። ገሊአን እንስሳታት እዮብ ተሰርቃ፡ ገሊአን ከኣ ተቐትላ። መብዛሕትኦም ግዙኣቱ ድማ ተቐትሉ። እዚ ቝጠባዊ ጸገማት ኣምጽኣሉ። ድሕሪኡ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ እዮብ ብህቦብላ ንፋስ ተቐትሉ። እዚ ዜሕዝን ፍጻመታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ “እዮብ ኣይሓጥአን፡ ንኣምላኽ እውን ከም ዝበደለ ገይሩ ኣይከሰሶን።”—እዮብ 1:22

11. (ሀ) ሰይጣን ንእዮብ እንታይ ካልኣይ ክሲ እዩ ዝኸሰሶ፧ የሆዋኸ እንታይ ገበረ፧ (ለ) እዮብ ዜሳቒ ሕማም ምስ ሓመመ እንታይ በለ፧

11 ሰይጣን በዚ ተስፋ ኣይቈረጸን። እዮብ ጥሪቱን ግዙኣቱን ደቁን ምስኣኑ ኺጾሮ እኳ እንተ ኸኣለ፡ እንተ ሓሚሙ ግና ኣንጻር ኣምላኽ ኪኸውን እዩ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ኣለዎ። ሰይጣን ንእዮብ ብዜፈንፍንን ብዜሳቕን ሕማም ኪወቕዖ የሆዋ ፈቐደሉ። እዚ እውን እንተ ዀነ ንእዮብ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ እምነት ከም ዜጥፍእ ኣይገበሮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ጸኒዑ “ኽሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ” በለ።—እዮብ 27:5

እዮብ እሙን ብምዃኑ ዓስቡ ረኸበ

12. እዮብ ነቲ ድያብሎስ ዘቕረቦ ብድሆ ብኸመይ መለሰሉ፧

12 እዮብ ጠንቂ እዚ ዅሉ ጸበባኡ ሰይጣን ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ድያብሎስ ኣብ ልዑላውነት የሆዋ ዜቕርቦ ዝነበረ ብድሆ ብዝርዝር ዘይፈልጥ ብምንባሩ፡ ኣምላኽ ምንጪ እቲ ጸገማቱ ኸይከውን ፈርሀ። (እዮብ 6:4፣ 16:11-14) ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ዝነበሮ ንጽህና ሓለወ። እቲ እዮብ ንኣምላኽ ብስስዐ ተደሪኹ ኸም ዜገልግሎ ዚገልጽ ክሲ ሰይጣን ከኣ ሓሶት ምዃኑ ብተኣማንነት እዮብ ተረጋገጸ።

13. እዮብ ንኣምላኽ እሙን ብምንባሩ እንታይ እዩ ረኺቡ፧

13 እዮብ እሙን ብምዃኑ፡ የሆዋ ነቲ ሰይጣን እተጻረፎ ጸርፊ ሓያል መልሲ ኺህቦ ኣኽኣሎ። ብሓቂ ፈታው የሆዋ እዩ ነይሩ። የሆዋ ድማ ስለቲ ተኣማንነቱ ዓስቡ ሃቦ።—እዮብ 42:12-17

እዚ ንዓኻ ብኸመይ ይምልከተካ፧

14, 15. ሰይጣን ንእዮብ ብዚምልከት ዘቕረቦ ብድሆ ንዅሎም ደቂ ሰብ እዩ ዚምልከት ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

14 እቲ ብዛዕባ ንጽህና ዚምልከት ሰይጣን ዘበገሶ ሕቶ፡ ናብ እዮብ ጥራይ ዝቐንዐ ኣይነበረን። ንዓኻ እውን ይምልከተካ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ “ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ” ዚብል ኣብ ምሳሌ 27:11 ዚርከብ ቃል የሆዋ ብንጹር ተሓቢሩ ኣሎ። እዘን ካብቲ እዮብ ዝሞተሉ ኣማእታት ዓመታት ጸኒሐን እተጻሕፋ ቓላት እዚአን፡ ሰይጣን ድሕሪኡ እውን እንተ ዀነ ንኣምላኽ ይጸርፎን ንኣገልገልቱ ይኸሶምን ከም ዝነበረ እየን ዚሕብራና። ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ምስ እንነብር፡ ነቲ ናይ ሓሶት ክስታት ሰይጣን መልሲ ኣብ ምህብ ንሕግዝ፡ ብእኡ ኣቢልና ኸኣ ንልቢ ኣምላኽ ነሐጕሶ። ብዛዕባ እዚ ኸመይ ይስምዓካ፧ ኣብ ህይወትካ እተወሰነ ለውጢ ኽትገብር ዜድልየካ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ድያብሎስ ዝበሎ ሓሶት ምዃኑ መልሲ ኣብ ምሃብ ግደ ኺህልወካስ ዜደንቕዶ ኸይኰነ፧

15 ሰይጣን፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። (እዮብ 2:4) “ሰብ” ብምባሉ፡ ክሱ ንእዮብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ። ሰይጣን ነቲ ንስኻ ንኣምላኽ ዘሎካ ንጽህና እውን ከይተረፈ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ እዩ። ድያብሎስ ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዘካ ኸተፍርስን ጸገማት ኬጋጥመካ ኸሎ ኸኣ ነቲ እትመላለሰሉ መገዲ ጽድቂ ኽትጥንጥኖን እዩ ዚደሊ። ሰይጣን ነዚ ብኸመይ እዩ ኺፍጽሞ ዚፍትን፧

16. (ሀ) ሰይጣን ንሰባት ብምንታይ ሜላታት ገይሩ እዩ ኻብ ኣምላኽ ኬርሕቖም ዚፍትን፧ (ለ) ሰይጣን ነዚ ሜላታት እዚ ብኸመይ እዩ ኣባኻ ኺጥቀመሉ ዚኽእል፧

16 ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 10 እተገልጸ፡ ሰይጣን ንሰባት ካብ ኣምላኽ ንምርሓቕ እተፈላለየ ሜላታት እዩ ዚጥቀም። በቲ ሓደ ሸነኽ፡ “ዚውሕጦ ደልዩ፡ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ” የጥቅዕ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ስለዚ ድማ ፈተውቲ፡ ኣዝማድ፡ ወይ ካልኦት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕን ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ንምውዓልን እትገብሮ ጻዕርታት ኪቃወምዎ ኸለዉ፡ ጽልዋ ሰይጣን ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። * (ዮሃንስ 15:19, 20) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰይጣን “ንርእሱ ኸም መልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ።” (2 ቈረንቶስ 11:14) ድያብሎስ ኬታልለካን ካብቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናብራኻ ኼስሕተካን ኢሉ ረቂቕ ሜላታት ይጥቀም እዩ። ንኣምላኽ ንምሕጓስ ብቑዕ ከም ዘይኰንካ ዀይኑ ኸም ዚስምዓካ ብምግባርን ብኻልእ መገድታትን ተስፋ ኬቝርጸካ ይጽዕር እዩ። (ምሳሌ 24:10) ከም “ዚጓዝም ኣንበሳ” ዀነ ኸም “መልኣኽ ብርሃን” ይምሰል ብዘየገድስ፡ ነቲ ዜቕርበልካ ብድሆ ግና ኣይቅይሮን እዩ። ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ከተቋርጽ ምዃንካ እዩ ዚዛረብ። ከምቲ እዮብ ዝገበሮ ነቲ ዜቕርበልካ ብድሆ ብምምላስ ንኣምላኽ ዘሎካ ንጽህና ኸተረጋግጽ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ትእዛዛት የሆዋ ምሕላው

17. ትእዛዛት የሆዋ እትሕልወሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧

17 ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ብምንባር ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ መልሲ ኽትህበሉ ትኽእል ኢኻ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢሉ ይምልስ። (ዘዳግም 6:5) ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ እናዓበየ ምስ ከደ፡ ነቲ ዚሓትተካ ብቕዓት ከተማልእ ባህጊ ኺሓድረካ እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ንየሆዋ ብምሉእ ልብኻ ተፍቅሮ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ‘ትእዛዛቱ ኸቢድ ከም ዘይኰነ’ ኽትርኢ ኢኻ።—1 ዮሃንስ 5:3

18, 19. (ሀ) ገለ ኻብ ትእዛዛት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ (ኣብታ “ ካብቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዘበለ ርሓቕ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) (ለ) ኣምላኽ ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር ከም ዘይሓትተና ብኸመይ ንፈልጥ፧

18 ትእዛዛት የሆዋ እንታይ እዩ፧ ገሊኡ ኸነርሕቖ ዘሎና ተግባራት ዝሓዘ እዩ። ንኣብነት፡ ነታ “ ካብቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዘበለ ርሓቕ” ዘርእስታ ሳጹን ኣስተብህለላ። ኣብኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚዅንኖ ዝርዝር ተግባራት ክትረክብ ኢኻ። ፈለማ ርእይ ምስ ኣበልካዮ፡ ገሊኡ ኽሳዕ ክንድቲ ኽፉእ ከይመስለካ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ምስ ኣስተንተንካሉ ግና፡ ሕግታት የሆዋ ሒዝዎ ዘሎ ጥበብ ክትርዳእ ኢኻ። ኣብ ጠባይካ ለውጢ ምግባር ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ዝኸበደ ጸገም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ምንባር ግና ዓብዪ ዕግበትን ሓጐስን እዩ ዜምጽእ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ክትገብሮ እትኽእል ነገር ከኣ እዩ። ነዚ ብኸመይ ንፈልጥ፧

19 የሆዋ ኻብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ኸቶ ኣይሓትተናን እዩ። (ዘዳግም 30:11-14 ኣንብብ።) ተኽእሎናን ዓቕምናን ክንደይ ምዃኑ፡ ካባና ንላዕሊ ይፈልጥ እዩ። (መዝሙር 103:14) ብዘይካዚ እውን ክንእዘዞ ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:13) የሆዋ ንዜጋጥመካ ፈተና ኽትጻወር ኢሉ፡ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኺህበካ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ጳውሎስ ብዙሕ ፈተናታት ተጻዊሩ ምስ ኣሕለፈ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኺብል ከኣለ።—ፊልጲ 4:13

ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ምምዕባል

20. እንታይ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ ስለምንታይከ እዩ እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ፧

20 ንየሆዋ ንምሕጓስ ንሱ ኻብ ዚጸልኦ ነገራት ምርሓቕ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ነቲ ዜፍቅሮ እውን ከተፍቅሮ ኣሎካ። (ሮሜ 12:9) በቶም ከም ናትካ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም፡ ዜገድሰካ ነገራት ዜገድሶም፡ ከምኡ እውን እትኣምነሉ ስርዓታት ዚስዕቡ ሰባት ኣይትሰሓብንዶ ኢኻ፧ የሆዋ እውን ይስሓብ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ዜፍቅሮ ነገራት ኣፍቅሮ። ገለ ኻብዚ ኣብ መዝሙር 15 ተገሊጹ ኣሎ። እዚ መዝሙር እዚ፡ እቶም ፈተውቲ ኣምላኽ ኪዀኑ ዚኽእሉ እንታይ ኬማልኡ ኸም ዘለዎም ይሕብር። (መዝሙር 15:1-5 ኣንብብ።) ፈተውቲ የሆዋ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍረ መንፈስ” ዚብሎ የርእዩ እዮም። እዚ ኸኣ ከም እኒ “ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ሰላም፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ልእመት፡ ርእሰ ግትኣት” የጠቓልል።—ገላትያ 5:22, 23

21. ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ንምምዕባል እንታይ ይሕግዘካ፧

21 መጽሓፍ ቅዱስ ኣዘውቲርካ ምንባብን ምጽናዕን ነቲ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ከተማዕብል የኽእለካ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ከተማልኦ ዚደልየካ ብቕዓት ምፍላጥካ ኸኣ ሓሳባትካ ምስ ሓሳባት ኣምላኽ ከተሰማምዕ ይሕግዘካ። (ኢሳይያስ 30:20, 21) ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ዝያዳ ብዝደልደለት መጠን፡ በቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ መገዲ ንምንባር ዝሓየለ ባህጊ እዩ ዚህልወካ።

22. ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ትነብር እንተ ደኣ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ እትፍጽም፧

22 በቲ የሆዋ ዚፈትዎ መገዲ ንምንባር ጻዕሪ ይሓትት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ህይወትካ ለውጢ ምግባር፡ ነቲ ኣረጊት ስብእና ቐንጢጥካ ሓድሽ ስብእና ምስ ምልባስ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ቈሎሴ 3:9, 10) ብዛዕባ ትእዛዛት የሆዋ ግና፡ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ “ንዕኡ ምሕላዉ ዓብዪ ዓስቢ ኣለዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 19:11) በቲ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ መገዲ ምንባር ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ከምዚ ብምግባርካ፡ ነቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ብድሆ መልሲ ትህበሉ፡ ንልቢ የሆዋ ድማ ተሐጕሶ!

^ ሕ.ጽ. 16 ከምዚ ኺብሃል ከሎ ሰይጣን ንዅሎም እቶም ዚጻረሩኻ በብብሕቲ ይቈጻጸሮም እዩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ሰይጣን ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ፣ ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ እያ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ 1 ዮሃንስ 5:19) ስለዚ፡ ንኣምላኽ ብዜሐጕስ መገዲ ምንባር ዘይፍቶ መገዲ ኪኸውን ትጽቢት ዚግበረሉ እዩ፣ ገሊኦም እውን ኪጻረሩኻ እዮም።